Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ብነፃነት ንኽንቀሳቐሱ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ – በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣2014 (ኤፍ ቢሲ) መንግስቲ መራኸብቲ ሓፋሽ ብነፃነት ንኽንቀሳቐሱ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣይተ መሓመድ እድሪስ ገሊፆም።

ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ሆቴል ኢንተርኮንቲኔንታል ይካየድ ኣሎ።

ኣይተ መሓመድ እድሪስ ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታ ንምግታእ መራኸብቲ ሓፋሽ ግደአን ብኣግባቡ ክዋፃኣ ይግባእ ኢሎም።

ሰብ ሞያ ሚዲያ ቀንዲ ስርሖም ዕሽሽ ብምባል ፓለቲከኛን “ኣክቲቪስት”ን ብምዃን ካብ ምንቅስቓስ ብዘለዎም ሚዲያ ዓይኒን እዝንን ህዝቢ ብምዃን ከገልግሉ ኣለዎም ኢሎም።

ተወካሊ ኤምባሲ ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ክላውድ ብሌቪን ብግደኦም፥ ሃገሮም ንዕብየት ሚዲያ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ከምእትሰርሕ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.