Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ሕማም ሳምቡእ ኣብ 2030 ንምጥፋእ ቆራፅ ኢዩ – ዶክተር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሕማም ሳንቡእ (ቲቢ) ኣብ 2030 ንምጥፋእ ቆራፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ሕማም ሳንቡእ ንምክልኻል ዝተሰርሑ ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምርን ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡

መበል 17 ጉባኤ ምርምር ሕማም ሳንቡእ “ሕማም ሳንቡእ ንምጥፋእ ሃገር በቆል መፍትሒ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጎንደር ይካየድ ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ኣርማወር ሃንሰንን ኣካቢ ቤት ምኽሪ ኣማኻሪ ምርምር ሕማም ሳምቡእን ፕሮፌሰር ኣፈወርቅ ካሱ፥ በቲ ቤት ምኽሪ ሕማም ሳምቡእ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ትኹረት ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ ምርምርን መፅናዕቲን ከምዝተሰርሑ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብድገአን፥ ስራሕቲ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ሳምቡእ ውፅኢታዊ ንኽኸውን ቤት ምኽሪ ምርምር ሕማም ሳምቡእ ቁልፊ ግደ ከምዝተፃወተ ኣብሪሀን።

ሕማም ሳንቡእ ሕዚ እውን ስግኣት ደቂ ሰባት ኢዩ ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ ከም ሃገር እቲ ሕማም ንምጥፋእ ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚበን።

ብምናለ ኣየነው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.