መንግስቲ ለውጢ ፀጋ ዕደና ኢትዮጵያ ብምግላፅ ዓንዲ ምዕባለ ኢኮኖሚ ገይሩዎ ኢዩ-ሃብታሙ ተገኝ(ኢ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ለውጢ ፀጋ ዕደና ኢትዮጵያ ብምግላፅ ዓንዲ ምዕባለ ኢኮኖሚ ገይሩዎ ኢዩ ክብሉ ኣባል ማእከላዊ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ዕደናን ሃብታሙ ተገኝ(ኢ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር፥ ዝመፅአ ለውጢ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ካብ ፖሊሲን ሕግታትን ጀሚሩ ናይ ጠመተ ለውጢ ብምግባር ፀጋ ዕደና ሃገር ናይ ምፍላጥ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።
ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት እውን እቲ ዓውዲ ካብ መንጎ ሓሙሽተ ዓንዲታት ምዕባለ ኢኮኖሚ ሓደ ንክኸውን ብምግባር ቆላሕታ ከምዝተውሃቦ ሓቢሮም።
መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ድማ ኣብ ሰደድ ንግዲ ወርቂን ካልኦት ዕደናታትን ልዑል ለውጢ ምምፅኡ ተዛሪቦም።