መንደር ቤኑና ቱሪዝም ምስ ልምዓት ግብርና ዘተኣሳሰረ ውቁብ ስፍራ ቱሪስት ኢዩ-ኣምባሳደር ሶፊ ፍሮም-ኢሜስበርገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንደር ቤኑና ቱሪዝም ምስ ልምዓት ግብርና ዘተኣሳሰረ ውቁብ ስፍራ ቱሪስት ኢዩ ክብላ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኢሜስበርገር ገሊፀን።
መንደር ቤኑና ኣብ ወሰን ቃላይ በሰቃ ኣዝዩ ዘበናዊ ክፍሊታት መደቀሲ፣ ኣዳራሽ ኣኼባ፣ ሲኔማ ቤት፣ መሀደሲ ቦታ፣ ስፓ፣ ልምዓት ፍራምረን ሓቚፉ ዝሓዘ ኢዩ።
ህንፀት እቲ መንደር ባህላዊ ጥበብ ኪነ ህንፃ መስ ዘበናዊ ህንፀት ኣዋዲዱ ብምሓዝ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ መስሕብ ልምዓት ካብ ምዃን ብተወሳኺ ዓቕሚ ቱሪዘም ዝፈጠረ ቦታ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ነቲ መንደር መሪቖም ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መንደር ቤኑን “ይከኣል ኢዩ” ዘብል ኣተሓሳስባ ብተግባር ብዓይንና ዝረኣናሉ ክብሉ ገሊፆም።
ኣብቲ ቦታ ዝተረኸባ ኣምባሳደር ሶፊ ፍሮም-ኢሜስበርገር በግደአን፥ እቲ ከባቢ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሃፍቲታት ብሓባር ኮይኖም ፅባቐ ዘላበስዎ ዝነኣድ ስፍራ ኢዩ ኢለን።
መንደር ቤኑን ዝለምዐ ኣሕምልትን ፍሪያት ፍራምረን ሓዊሱ መግለፂ ሸቶታት ስራሕቲ ግብርና ዘላቒ ለምዓት ብምኻን ዝውሰዱ ከምዝኾኑ ገሊፀን።
ስለዝኾነ እቲ መንደር፥ ቱሪዝም ምስ ልምዓት ግብርና ዘተኣሳሰረ ውቁብ ስፍራ ቱሪስት ኢዩ ኢለን ክበል ግዜኢ ፀብፂቡ።