Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ፓኪስታን ናብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ከምዝፅምበሩ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ፓኪስታን ናብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ከምዝፅምበሩ ኣፍሊጦም።

ፅባሕ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክካየድ ኢዩ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ፡፡

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር ኣብዱላ÷ ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ኮፕ-ኢን-ማይ ሲቲ 2024 ብዛዕባ ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር ነቶም መናእሰይ ገለፃ ገይሮም።

ኣብ ገለፃኦም ድማ፥ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፅባሕ ጥራሕ 600 ሚሊየን ፈልሲታት ብምትካል ክብረ ወሰን ዓለም ከምዘመዝግቡ ኣልዒሎም፡፡

ወፍሪ ሓምለዋይ ኣሰር፥ ንሃገር ሓምለዋይ ካብምባልበስ ሓሊፉ ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅን ኣብ ኢትዮጵያ ፈጠራ ዕድል ስራሕ እናዕበየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

መናእሰይ ፓኪስታን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምንኣድ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ምትካል ፈልሲ 600 ሚሊየን ከምዝሳተፉ ምግላፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.