Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ዲጂታል ፍልጠት ክህልዎም ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን “ጉዕዞ ጥዕና ናብ እምባ ኪቢቃሎ” ብዝብል ንመናእሰይ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣፋሊጡ።

እቲ መርሃ ግብሪ ምፈላጥ፥ ኣብ እምባ ከተማ ወልዲያ ብዝተገበረ ጉዕዞ ዝተሳተፉ መናእሰይ ዝተኻየደ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣህመዲን መሓመድ፥ ንቴክኖሎጂ ቀረባ ዝኾነ መንእሰይ ዲጂታል ፍልጠት ክህልዎ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

መብዛሕተኦም መናእሰይ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ስለዝኾኑ፥ ዲጂታል ፍልጠት ብምውሳኽ ቴክኖሎጂ ንጥዕና፣ ንንግዲን ንሰናይ ተግባርን ከውዕሉዎ ሓቲቶም።

ንፈለማ እዋን ካብ ደሴ ናብ ኮምቦልቻ ዝተገበረ ናይ እግሪ ጉዕዞ፥ ናብ እምባ ኪቢቃሎ ዝተገበረ ሻውዓይ ዙር ጉዕዞ ኢዩ።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፥ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናፋለጠ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.