Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ዝፍጠሩ ዕድለት ብግቡእ ክጥቀሙሎም ከምዝግባእ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ዝፍጠሩ ዕድለት ብግቡእ ክጥቀሙሎም ከምዝግባእ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ገሊፁ።

ፈጠርቲ ስራሕ ምስ ኢንቨስተራት ዘራኽብ ዲጂታል መተግበሪ ዕላዊ ዝተገበረ እንትኸውን፥ መናእሰይ ዝፍጠሩ ዕድለት ብግቡእ ክጥቀሙሎም ከምዝግባእ ተገሊፁ።

መናእሰይ ዝተጣየሹን ስሙኒ ዝተብሃለን ትካል ምስ ኮካኮላ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር 10 ኣብ ምጅማር ዝርከቡ ሓሳባት ስራሕ ብፋይናንስ ክድግፍ ከምዝኾነ እውን ተመልኪቱ፡፡

ኣብ ዘፈር ውለቀ ዝፍጠሩ ስራሕቲ ክበረታትዑ ከምዝግባእን መናእሰይ ዘዝፍተሩ ዕድላት ብግቡእ ክጥቀሙሎም ይግባእ ክብሉ ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይሬክተር ምሕዝነትን ምሕደራ ፈንድን ኣይተ ጥዑመዝጊ በርሀ ተዛሪቦም፡፡

መስራቲ ናይቲ መተግበሪ ዘሰናደአ ትካል መንእሰይ ብሩክ ግርማ፥ “እቲ መተግበሪ ነዓይ እናጋጠሙኒ ዝነበሩ ኣፀገምቲ ዝኾኑ ሕፅረታት ፋይናንስ ንካልኦት ዝቃልልን ውፅኢታዊ ምትሕብባር ዝፈጠርን ኢዩ” ኢሉ።

በቲ መተግበሪ ብምሕጋዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 10 ሺሕ ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ምስ ኢንቨስተራት ንምርኻብ ከምዝሃቀነ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.