Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወዲቦም ከተመኦም ይሕልዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 27 ሺሕ መናእሰይ ተወዲቦም ሰላምን ፀፅታን ከተመኦምን ከባቢኦምን እናሓለዉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሓላፊ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ኣብርሃም ታደሰ፥ ኣብታ ከተማ ምንቅስቓስ ኣካላት ፀረ ሰላም ንምቁፅፃር ልዕሊ 27 ሺሕ መናእሰይ ምስ ኣካላት ፀፅታ ተዋዲዶም ሓፈሻዊ ሰላም እታ ከተማን ከባቢኦምን እናሓለዉ ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዝኸፈቶ ቅሉዕ ኲናት ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢን ሓድነትን እናተረኣየ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ኣብርሃም፥ ኣብቲ እዋን ግደ መናእሰይ ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

መንእሰይ “ኣነ ዘብዒ ሰላም ከተማይ ኢየ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከባቢኦም ካብ ምሕላው ሓሊፉ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ብምፅምባርን ንሰራዊት ደጀን ብምዃንን ብቆራፅነት እናተንቀሳቐሱ ይርከቡ ምባሎም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.