መናእሰይ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ግደኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ግደኦም ንክዋፅኡ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ኮሚሽን ዘሰናደኦ መድረኽ ዘተ መናእሰይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርአያ (ፕ/ር)፥ መናእሰይ ባህሊ ምድምማፅን ምዝርራብን ብምጉልባት ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ግደኦም ክዋፅኡ ይግባእ ኢሎም።
ንሰላምን ዝተረጋገዐ ህንፀት ሃገረ መንግስትን ግደ እቶም መናእሰይ ልዑል ከምዘኾነ እውን ምግንዛቦም ኣብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።