Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ተወዲቦም ናብ ግንባር ብምኻድ ዓወት የመዝግቡ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)እኩይ ሽርሒ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነምፍሻል መናእሰይ ከተማ ደብረ ብርሃን ተወዲቦም ናብ ግንባር ብምኻድ ዓወት የመዝግቡ ከምዘለዉ ምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ካሉ ወንድሙ  ገሊፆም።

እቶም መናእሰይ ብዘካየድዎ ቃልሲ ዝመፅአ ሃገራዊ ለውጢ ብግብረ ራዕዳን ሃገር መፍረስን ጉጅለ ንከይተዓናቐፍ ሽርሑ ምኽሻፍ ናይ ኣቦታት ተጋድሎ ንምድጋም ዝገብሮ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ንዝመፅአ ሃገራዊ ለውጢ መናእሰይ ዘይትካእ ግደ ከምዝነበሮም ብምግላፅ፥ ሐዚ እውን ነቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምምካት ናይቲ ከባቢ መናእሰይ ተወዲቦም ናብ ግንባር ብምውፋር ኣበ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምስላፍ ዘኹርዕ ዓወት የመዝግቡ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ኣብ ግንባረ ደሴ ኣብ ዘሎ ጎንፂ ምኽኒያት ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ናይ ሸሊኾም ዝኣትዉ ስግኣይ ንምቕናስ ብዝተወደበ መልክዑ ቀትሪን ለይቲን እቶም መናእሰይ ይሕልዉ ከምዘለዉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.