Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈልሲ ክተኽሉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ጉዳይ ሰላም ግንዛበ ዝለዋወጡሉን ፈልሲ ዝተኽሉሉን መርሃ ግብሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

“መናእሰይ ሰላም የሃንፁ፤ ከባቢኦም ይከናኸኑ፤ ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ እቲ መርሃ ግብሪ፥ ተሓላቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ምስ ፌዴሬሽን መናእሰይ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝሳለጥ ኢዩ።

ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ኣብ ዝካየድ እቲ መደብ፥ ካብ ኣባል ሃገራት ተሓላቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ብተወሳኺ ትካላት ሲቪል ማሕበራት እውን ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ መርሃ ግብሪ ኣመልኪተን መግለፂ ዝሃባ ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን መናእሰይ ኢትዮጵያ ፅጌረዳ ዘውዱ፥ እቲ መርሃ ግብሪ ዕላማ “ንኢትዮጵያ ንኽደና” ዝብል ኣምር ንምስፋሕ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብቲ መደብ 80 ዝኾኑ መናእሰይ ከምዝሳተፉ እተን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣብሪሀን።

ሓይሊ ተሓላቒ ምብራቕ ኣፍሪካ 10 ሃገራት ኣፍሪካ ብኣባልነት ዝሓዘ ዞባዊ ትካል ከምዝኾነ ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.