Fana: At a Speed of Life!

መናእሰይን ህዝብን ኦሮሞ ነቲ ጁንታ ንምቅባር ግደኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መላእ መናእሰይን ህዝብን ኦሮሞ ነቲ ጁንታ ንምቅባር ግደኦም ንክዋፅኡ ፓርቲ ብልፅግና ኦሮሞ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ፈቃዱ ተሰማ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቶም መናእሰይ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብምዃን ብዝኸፈልዎ መስዋእቲ ዝመፅአ ለውጢ ንምፅልማት ተለኣኣኽቲ ሓዊሱ ብምጥቃም እቲ ጁንታ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ፃዕሪሞት ዘሎ ጁንታ ንምቕባር መናእሰይ ኦሮሞ ምስ ካልኦት ህዝቢ ክልላት ብምዃን ከባቢኦም ንክሕልዉ ፃውዒት ኣመሓላሊፎም።

ብተወሳኺ ናይ ውሽጢ ባንዳታት ብምፅራይን ሓይሊ ፀፅታ ብመረዳእታ ብምድጋፍን እኹል ድጋፍ ምግባር እቲ ለውጢ ካብ መንጎ ዘምፅእዎን ኢትዮጵያ ንምፍራስ ካብ ዝምነዩ ኩሎም ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

መናእሰይን መላእ ህዝቢን ኦሮሞ ንሃገር ምክልኻል ሰራዊት እንትገብር ዝነበረ ድጋፍ ብምጥንኻር መናእሰይ ናብ ሰራዊት ንክሕወሱ ፃውዒት ቀሪቡ።

እቲ ጉጅለ ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን ፀላኢ ምዃኑ ስለዘረጋገፀ ኣምሪርካ ምቅላስ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.