Fana: At a Speed of Life!

መቻልን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቻልን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን፡፡
እተን ጋንታታት ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ዝገበረኦ ፀወታ 0 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ፡፡
ብኣሰልጣኒ ገብረክርስቶስ ቢራራ ትምራሕ ጋንታ መቻል ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ሓዊሱ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ፀወታታት ሙሉእ ሰለስተ ነጥቢ ክተዕውት ኣይከኣለትን፡፡
ነቲ ውፅኢት ስዒቡ መቻል ብ29 ነጥቢ ኣብ 7ይ ደረጃ እንትትቅመጥ፤ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ብግደኣ ብ9 ነጥቢ ኣብ መወዳእታ ደረጃ እቲ ሊግ ትርከብ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.