Fana: At a Speed of Life!

መብዛሕተኦም ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝግበሩ በረራታት ብሰንኪ ኣፀጋሚ ፀባይ ኣየር ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከቡ ኣማረፅቲ  መዕርፎ ነፈርቲ ተዘዋዊሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መብዛሕተኦም ናብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝግበሩ በረራታት ብሰንኪ ኣፀጋሚ ፀባይ ኣየር ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከቡ ኣማረፅቲ  መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተዘዋወሩ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ መገዲ ኣየር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ÷ ሎሚ መዓልቲ ካብ ለይቲ ሰዓት 9 ሰዓት ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ግመ ዝሸፈኖ ፀባይ ኣየር ምኽንያት መብዛሕተኦም በረራታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣገልግሎት ምሃብ ኣይከኣለን፡፡

ነዚ ስዒቡ መብዛሕተኦም በረራታት ናብ ካልኦት መዕርፎ  ነፈርቲ ከምዝተዘዋወሩ ገሊፆም፡፡

ኣብታ ከተማ ብምኽንያት ዝተፈጠረ ኣፀጋሚ ፀባይ ኣየር ኣብ ልዕሊ መገደኛታት ዝበፅሐ ምትእጉጓል እቲ መገዲ ኣየር መንገዱ ይቕሬታ ሓቲቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.