Fana: At a Speed of Life!

መበገሲታት፣ ምልክታትን መከላኸሊ መንገዲን ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕማም ሸሮኽ ወይ ድማ ኮሌራ ምስ ፅሬቱ ዘይሓለወ ኣጠቓቕማ ዓይኒ ምድሪን ኣመጋግባን ዝመፅእ ውፅኣት ብምስዓብ ክሳብ ሞት ዘብፅሕን ተመሓላላፊን ሕማም ኢዩ።

እቲ ሕማም ብመልክዕ ለበዳ ናይ ምግጣምን ምልባዕን ዕድሉ እውን ዝለዓለ ኢዩ።

ምልክታት ንምርኣይን ኣብ ሰብ ዝህሉ ተቓላዓይነት ንምውሳኽን ካብ 2 ሰዓት ክሳብ 3 መዓልታት ጥራሕ ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ካብቲ ምልክታት ዘርኣየ ይኹን ዘየርኣየ ተሸካሚ ታህዋስ ኮሌራ ዝኾነ ሰብ ናብ ካሊእ ሰብ ንምምሕልላፍ ናይ ክልተ ሰሙን ዕድል ጥራሕ ኣዘለዎ።

ቀንዲ ምልክታት ሕማም ሸሮኽ ወይ ኮሌራ፥ ቃንዛ ዘይብሉ ማያዊ ውፅኣት/ተቕማጥ/ን ተምላስን ኢዮም።

ነቶም ምልክታት ስዒቦም ምቑርቋር ዓይኒ፣ ምቕናስ ሽንቲን ቅርጥማትን ዝብሉ ምልክታት ኣብቲ ተሸካሚ ታህዋስ ኮሌራ ዝኾነ ሰብ ይረኣዩ።

በቲ ሕማም ናይ ዝተለኸፈ ሰብ ተምላስ ወይ ውፅኣት ዝተንከፈ ሰብ ኢዱ ብሳሙናን ማይን ከይተሓፀበ ኣፉ እንተነኺኡን ብኢዱ ኣቢሉ እንተተመጊቡን በቲ ሕማም ናይ ምዝተሓዝ ዕድሉ ሰፊሕ ኢዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሃመማ ካብ ዝሓመመ ሰብ ተበጊሱ ናብ ምግቢ እንተዓሪፉ፣ በቲ ባክተሪያ ዝተበከለ ማይ ምስታይ፣ ብዝተበከለ ማይ ዝሕፀቡ ኣሕምልቲን ፍራምረን ምምጋብ፣ በቲ ኮሌራ ዝተበከለ ሰገራ ከም ዱኽዒ ብምጥቃም ዝባፅሑ ኣሕምልቲ ከየብሰልካ ምጥቃም፣ ብዝተበከለ ማይ ኣቢሉ ዝሰናዳእ “ጀላቲ” ቀንዲ መመሓላለፍቲ መገዲታት ኢዮም።

ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቱ ናይ ዝሰኣነ ሰብ ኣብ ግንዘት፣ ስርዓተ ቀብሪ ይኹን ብካልእ መገዲ ምንኽኻእ እንተሃሊዩ እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ይኽእል።

ኣብ ፅሬቱ ዘይሓለወ ቀረብ ማይ፣ ዘይውሑስ ምግቢ፣ ዘይምዕሩይ ስርዓተ ግንዘትን ቀብሪን ብድምር ትሑት ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ እቲ ሕማም ከጋጥምን ክላባዕን ከምዝኽእል ይግለፅ።

መጥበውቲ ኣዴታት፥ ንውላደን ጡብ ቅድሚ ምሃበን ብሳሙናን ማይን ኣቢለን ኣጥባተን ክሓፅባ ክምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።

ሕማም ኮራ ንምክልኻል÷ መናፅሂ ቦታ ብግቡእ ምጥቃም፣ ምግቢ ብግቡእ ኣብሲልካ ምምጋብ፣ ድሕሪ ምጥቃም ሽቓቕ ብንፁህ ማይ ምሕፃብ፣ ቅድሚ ምግቢ ምቕራቡን ምምጋብናን ምሕፃብ፣ ንሕፃናትን ምስሓፀብና፣ ንህፃናት ጡብ ቅድሚ ምጥዋብና ብማይን ሳሙንናን ምሕፃብ፣ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ክንክን ምስ ገበርና ኢድና ብንፁህ ማይን ሳሙናን ምሕፃብ እቲ ሕማም ክንከላኸሎ ንኽእል፡፡

ምልክታት እቲ ሕማም ዝተርኣየሎም ወገናት ብህፁፅ ኣብ ቀረበኦም ናብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ክኸዱ ምግባር ከምዝግባእ እውን ይምከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.