Fana: At a Speed of Life!

መበል 78 ጉባኤ ውሕመ ኣብ ጉዳይ ሩሲያን ዩክሬንን ብስፍሓት ክዝቲ ኢዩ ዘብል ትፅቢት ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘካይዶ መበል 78 ጉባኤ ውሕመ ኣብ ጉዳይ ሩሲያን ዩክሬንን ከምኡ እውን ኣብ ቅልውላው ክሌማዊ ለውጢ ብስፍሓት ክዝቲ ኢዩ ተባሂሉ።

መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ መራሕቲ ውሕመ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝለዓሉ ሓሳባት÷ ሃገራት ኣብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ፈረንጂ ቅድሚት ትኹረት ሂበን ኣብ ዝሰርሐኦም ስራሕቲ ትልመን ንኸስተኻኽላ ኣንፈት ከምዝወሃበን ተገሊፁ።

ምናልባት ሃገራት ኣብ ኣፀገምቲ ጉዳያት ንኽተሓባበራ ወይ ድማ ቅዋም ሒዘን ቦተአን ንኽፈልያ ኣብ ሓደ ዘራኽበን መድረኽ ከምዝኸውን ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

ጎድና ጎኒ እቲ ኣኼባ ሃገራት ክልታኣዊ ልዝባት ክህልወን ኢዩ፡፡

ሓፈሻዊ መድረኽ ክትዕ እዚ ዓመት÷ “ዓለም ለኻዊ ምትእምማንን ምትሕብባርን ምሕዳስ፤ ናብ ዓለም ለኻዊ ሰላም፣ ምዕባለን ዕቤትን ኣብ ዘብፅሕ ዛዕባ 2030 ብምዝታይ ኣብ ተግባራዊነት ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ሓበራዊ ጭብጢ ምሓዝ” ብዝብል መሪሕ-ሓሳብ ከምዘድህብ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ መራሕቲን ተወከልቲን ልዕሊ 140 ሃገራት መደረ ከስምዑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.