Fana: At a Speed of Life!

መበል 46 ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ሎሚ መዓልቲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 46 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣበግቲ ጉባኤ ፕሬዝዳንት ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ፓትሪስ ሞትሴፔን ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ካፍን፣ ፕሬዝዳንት ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ጂያኒ ኢንፋንቲኖን ዋና ፀሓፊ ፊፋ ማትያስ ግራፍስትሮምን፣ ፌዴሬሽናት ኩዕሾ እግሪ ኣባል ሃገራት ካፍን ፕሬዝዳንታት ዞባዊ ማሕበራት ኩዕሾ እግሪን ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ስፖርት ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ጉዳያት ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ብምዝታይ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከመሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ጉባኤ እንትተተኣናግድ እዚ ንካልኣይ ግዘ ኢዩ።

ቅድሚ ሕዚ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2017 መበል 39 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣሰናዲኣ ነይራ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.