Fana: At a Speed of Life!

መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣብ ዴማ ማርዋ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት መስራቲ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ዝተኻየደሉ ዴማ ማርዋ፣ ጣብያ ማርዋ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ሕሉፍ ታሪኽ ቃልሲ ህወሓትን መፃኢ ዕድል ትግራይን መሰረት ገይሮም ሓሳባት ዘቕረቡ ነባር ተጋዳላይ ኣይተ ስብሓት ነጋ፥ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከም ህዝቢ ንውድብ ህወሓት ሓብሒቡ ዘዕበየ፣ ንፈለማ እዋን ድማ ውድብ ህወሓት መስራቲ ጉባኤኡ ዘካየደሉን ኣብ ማህደር ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ታሪኽ ዝተሰነደሉ ቦታ እዩ ኢሎም።

እቲ ዝተገበረ ቓልሲ፥ ትግራይ ከም ብሄር ይቐፅል ዶስ? ይብረስ? ንዝብሉ ክልተ ጫፋትን ወጠርቲ ሕቶታትን መሰረት ገይሩ ዝተጀመረ ከምዝኾነ መበገሲ ቃልሲን ዕላማ 11 ለካቲትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።

ገዛእቲ ደርብታት ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ከድንን እንተይገበርካን እንተየዳኸምካን ኣንዊሕኻ ምግዛእ ኣይከኣልን ኢሎም፥ ብኹሉ ዓቕሞም ከምዝዘመቱን ህወሓት ድማ ብድሩት ዓቕማ ህዝቢ ኣብ ጎና ኣሰሊፋ ከምዝመከተቶምን ድሌቶምን ዕላምኦምን ከምዘምከነቶን እውን እቶም ነባር ተጋዳላይ ኣብሪሆም።

“ንሶም ዝበልዎ ዘይኮነስ ንሕና ዝበልናዮ ኮይኑ፤ ህዝቢ ትግራይ ከም ብሄር ቀፂሉ፣ ከም ብሄር ቀፂሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ነዛ ሃገር ዝዋሓስ ስርዓት ፈጢሩ ኢዩ” ዝበሉ ኣይተ ስብሓት፥ “ርዝነት ናይቲ ቓልሲ ብመንፅር ምቕፃል ሃለዋትን ምጥፋእን ህዝብና ገይርና እንተመዚንናዮ እዩ ዓወቱን ውፅኢቱን ከም ብሄር ነስተማቕሮ” ኢሎም።

ኣበዚ ሕዚ እዋን ገጢሙ ዘሎ ዳግም ህልውና ናይ ምርግጋፅ መድረኽ፥ ከምቲ ልሙድ ኣብ ስጡም ሓድነት ብዝምስረት ቃልሲ ከምዝሰዓርን እዚ ንምግባር ድማ ሓድነት ህዝቢ ትግራይን ሓበራዊ ቃልስን ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ወይን ጋዜጣ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.