Fana: At a Speed of Life!

መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ብብርኪ ክልል ኣብ መቐለ ሎሚ መዓልቲ ተፀምቢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅምብል በዓል መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ 11 ለካቲት ብብርኪ ክልል ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ መዓልቲ ተኸቢሩ።

እቲ በዓል ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መላእ ትግራይ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ሃገርና ብፍላይ ከዓ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ወፃኢ ሃገር ዝነበር ትግራዋይ እናኽበሮ ምምፅኡ ይዝከር።

መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት 11 ለካቲት ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ዝተኸበረ እንትኸውን፥ ትማሊ ሰዓት 6 ፍርቂ ለይቲ እቲ በዓል ዘበስር ርችት ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ተወሊዑ።

ሎሚ ንጎሆ ድማ ምንባር ሕቑፊ ዕምበባ ተፈፂሙ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ፣ አፈ ጉባኤ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ሩፋኤል ሹፋረ፣ ተጋዳላይ ስዩም መስፍንን ካልኦት ንዝተፈላለዩ ውዳበታት ዝወክሉ ኣካላትን ኣብ ቀፅሪ ሓወልቲ ሰማእታት ብምርካብ ሑቕፊ ዕምባባ ኣቐሚጦም።

ድሕሪ ምንባር ሕቑፊ ዕምበባ ኣብ ስታዲየም ትግራይ ድጋፍ ሰልፊን ስነ ስርዓት መዛዘሚን እቲ በዓል ተሳሊጡ።

ኣብቲ መዛዘሚ መድረኽ ድጋፍ ሰልፊ ብምርካብ መደረ ዘስምዑ ኣቦ መንበር ህወሓትን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል፥ በዓል 11 ለካቲት ትእምርተ ፅንዓትን ቃልስን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝነብሩ ውፁዓት ህዝብታት ኢያ ኢሎም።

እቲ በዓል ብደም ዝተፅሓፈ ታሪኽ ዝተነበረሉ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.