Fana: At a Speed of Life!

መበል 36 ኣኼባ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 36 ኣኼባ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ብብርኪ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ምክያድ ዝጀመረ ጉባኤ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ኣቦ መምበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ሓዊሱ ሚኒስትራት 55 ሃገራት ኣፍሪካ እናተሳተፉ ይርከቡ።

ኣብ ኣኼባ ኣቦ መምበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሃማትን ግዚያዊ ሊቀ መንበር እቲ ሕብረት ዝኾነት ግብፂ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሳሚ ሹክሪን መኽፈቲ መደረ ኣስሚዖም።

ኣቦ መምበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኣብ ዘረበኦም፥ ብብዙሓት ፀገማት ዝተኸበበት ኣህጉር ድምፂ ተኹሲ ዘይስመዐላ ኣፍሪካ ናይ ምፍጣር ፕጀክት ንምዕዋት ኩለን ኣባል ሃገራት ምትሕብባር ንኽገብራ ፀዊዖም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዝፍጠሩ ጎንፂታት ተተሓሒዞም ንዝፍጠሩ ምምዝባላት መፍትሒ ክወሃበሎም ከማዝግባእን ንተመዛበልቲ ኣድላዪ ሓለዋን ሓገዝን ምግባር ከምዝግባእን እውን ኣተሓሳሲቦም።

ስራሕቲ ምምሕያሽ ሕብረት ኣፍሪካን ትግበራ ዲጂታላይዜሽንን ብፅቡቕ ኩነታት እናተኻየደ ምዃኑ፥ እቶም ኣቦ መንበር ወሲኾም ሓቢሮም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ኣኼባ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ፅባሕ እውን ቀፂሉ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ኣብ ፃንሒቶም ድማ ቀዋሚ መልእኽተኛታት ሕብረት ኣፍካ ብዘርቀቑዎ ኣጀንዳ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ ድሕሪ ምዝታይ ናብ ጉባኤ መራሕቲ ንኽቐርብ ውሳነ ከመሓላልፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

መበል 33 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍረካ ካብ ዕለት 1 ክሳብ 2 ለካቲት 2012 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።

እቲ ጉባኤ “ጎንፂን ኲናትን ጠጠው ክብል ብምግባር፥ ንልምዓት ኣፍሪካ ምዕሩይ ኩነታት ምምችቻው” ብዝብል መሪሕ ቓል ከምዝካየድ እውን ተሓቢሩ።

ፕዚዳንታት 31 ሃገራት ኣፍሪካ፣ ቀዳማይ ሚኒስትራት ኣርባዕተ ሃገራት፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ 7 ሃገራት፣ ምክትል ፕሬዚዳንታት 3 ሃገራት፣ 14 ቀዳማዊ እመቤታትን ሓዊሱ 45 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ፥ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፋ ኢየን ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ካብ ኣባል ሃገራት ወፃኢ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳን እና ኖርዌይን፣ ፕዚዳንት ፍልስጥኤም መሓመድ ኣባስ፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ 3 ሃገራትን ኣምባሳደራት 7 ሃገራትን ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ጉባኤ ብሓፈሻ 10 ሺሕ ዝኾኑ ኣጋይሽ ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.