Fana: At a Speed of Life!

መበል 33 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንኣፍሪካ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ዘሰጋግሩ ውሳነታት ዝተመሓላለፉሉ ኢዩ – ቀዳማይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 33 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንኣፍሪካ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ዘሰጋግሩ ውሳነታት ዝተመሓላለፉሉ ከምዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ መበል 33 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዕቤትን ሓድነትን ኣፍሪካ ዘጠናኽሩ ውሳነታት ዝተመሓላለፉሉ ጉባኤ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ጉባኤ 32 ፕሬዚዳንታት ኣፍሪካ፣ ሰለስተ ምክትል ፕዚዳንታት፣ ሸውዓተ ቀዳማይ ሚኒስትራት፣ ሰለስተ ካብ ኣፍሪካ ወፃእ ዝመፅኡ ቀዳማይ ሚኒስትራትን ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላትን ተሳተፍቲ ምዃኖም እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ካብ ዝጣየሽ ጀሚራ ንጥንካረ እቲ ሕብረት መሰረት ኮይና ከምዝፀንሐት ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ንናፅነት ኣፍሪካውያን ዝገበረቶ ቃልሲ፣ ኩለመዳይ ሓድነት ኣፍሪካ ንኽመፅእ ዝገበረቶን እትገብሮን ዘላ ፃዕሪ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ፃዕሪ ድማ መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ንዘመናት ዘይተለወጠ ቅዋሞም ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ መበል 33 ጉባኤ እቲ ሕብረት በዚ መንፈስ ከምዘተኣናገደቶ ኣብሪሆም።

እቲ ጉባኤ ብዓወት ምዝዛሙ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ሓይሊታት ፀፅታን ድሕንነትን ዝገበሩዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ እቲ ኣኼባ ዕዉት ክኸውን ገይሩዎ ኢዩ ኢሎም።

ሰብ ሆቴላትን ሰራሕተኛታቶምን ኢትዮጵያዊ እንግዶት ምቕራቦም፣ ዲፕሎማሰኛታትን ሰብ ሞያታት ፕሮቶኮልን ኩሎም ከይዲታት ደረጀኦም ዝሓለዉን ዝተሳለጡን ንኽኾኑ ምግባሮም፣ ወሃብቲ ግልጋሎት ትራንስፖርት ቅልጡፍን ምዕሩይን ኣገልግሎት ከበርክቱ ምኽኣሎምን ኩሎም ወገናት ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ስራሕ ብምስረሖም ኢትዮጵያ ናይ ብርቱዓት ሃገር ምዃና ከምዘመስከሩ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ንኽዛዘም ኩሎም ኣካላት ንዝገበሩዎ ዘኹርዕ ተግባር ብሽሞምን ብሽም መንግስቲን ምስጋና ኣቕሪቦም ኢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.