Fana: At a Speed of Life!

መበል 33 ሃገር ለኸ ጉባኤ ትምህርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 33 ሃገር ለኸ ጉባኤ ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ጉባኤ “ፍትሓዊን ፅሬት ዘለዎን ትምህርቲ ንኹሉ” ብዝል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተሳለጠ ዝርከብ፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝግበር ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገልፀዋል።

ዝተገበረ መመሓየሺ ዕዉት ንምግባር ንዓውዲ ትምህርቲ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ዓውዲ ንኽዕወት ኣብ ኣርባዕተ መሰረታዊ ጉዳያት ማለት እውን ኣብ ፅሬት፣ ፍትሓዊነት፣ ሓላፍነት ዝስመዖ ወለዶ ኣብ ምፍራይን ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ኣብ ምድንፋዕን ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣፈፀፅማ ዘፈር ትምህርቲ 2016 ዓ.ም፣ ቀንዲ ቀንዲ ኣንፈታት ትኹት ትልሚ 2017 ዓ.ምን ኣብ ሪፎርም ዓውዲ ትምህርቲን ትኹረት ብምግባር ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከምዝግበር ተገሊፁ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.