Fana: At a Speed of Life!

መበል 33 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣማሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 33 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነታት ኣማሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፥ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መረፃ፣ ምገባ ፓርቲታት ፖለቲካን ኣዋጅ ስነ ምግባር ምርጫን ንምምሕያሽ ዝቐረበ ኣዋጅ ብቐዳምነት ከምዝዘተየ ተገሊፁ።

ካብ ማዕቐፍ ሕጋዊን ሰላማዊን ምንቅስቓስ ፖለቲካ ወፃእ ዝፀንሑ ጉጅለታት ፖለቲካ ብሰለማዊ መገዲ ንምንቅስቓስ ድልየት ኣብ ዘርእዩሉ እዋን እቶም ኣካላት ሕጋዊ ፓርቲ ፖለቲካ ንክኾኑ ንምምዝጋብ ዘኽእል ስርዓት ኣብቲ ነባር ኣዋጅ ዘይተኻተተ ምንባሩ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ብሰለማዊ መገዲ ንምንቅስቓስን ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ግደኦም ንክዋፅኡ ድልየት ኣብ ዘርእዩሉ እዋን መሊስካ ምምዝጋብ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ረቂቕ መመሓየሺ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ምቕራቡ ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ኣዋጅ ምምላስ ንብረት ፌዴሪኢ ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ዘተ ድማ፥ ንገበን ፍረ ዝኾኑ ናውቲን ገንዘብን ውፅኢታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንምሓዝ፣ ንምእጋድ፣ ንምውራስ ወይ ንምምሕዳር ዘኽእል ግልፅን ዝርዝርን ማዕቐፍ ሕጊ ምስንዳእ ኣድላዪ ብምዃኑ፤ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ኣዋጃት ተበቲኖም ዘለዉ ድንጋገታት ምምላስን ምምሕዳርን ናውቲ ብሓደ ስሩዕ ሕጊ ብምክታት ንኣፈፃፅማ ምቹእ ዝኾነ ስርዓት ምዝርጋሕ ኣድላዪ ብምዃኑ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ምቕራቡ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊብምግባር ብዛዕባ ምቕራብን ግብረ ራዕዲነት ብገንዘብ ናይ ምድጋፍ ገበንን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እውን ዘቲዩ።

ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

ኣብ መወዳእታ፥ ሰርዓት ዕዳጋ ውፅኢታት ነዳዲ ንምድንጋግ ዓሊሙ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እውን ብምዝታይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክተሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.