መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብዓወት ብምኽባር ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ብዓወት ብምኽባር ከምዝተዛዘመ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ሓላፊት ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ሰናይት ሰለሞን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ካብ 25 ሕዳር 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ከምዝቐነየ ኣልዒለን፡፡
ሎሚ መዓልቲ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ እቲ በዓል ብዓወት ብምኽባር ከምዝተዛዘመ ገሊፀን።
እቲ በዓል ብዓወት ተኸቢሩ ንኽዛዘም ነበርቲ ከተማ ኣርባምንጭን ከባቢኣን ከምኡ እውን ኣካላት ፀፅታ ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪበን፡፡