Fana: At a Speed of Life!

መበል 17 ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት “ጭቡጥን ተግባራዊን” ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ንኸሰናድእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት “ጭቡጥን ተግባራዊን” ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ንኸሰናድእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ሓቲቶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ እናሰናደአቶ ኣብ ትርከብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ዶክተር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም÷ “ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ፤ ምስ ሓሙሽተ ንኡሳን መሪሕ ሓሳባት መበል 17 ጉባኤ ምሕደራ መርበብ ሓበሬታ ዝተጠዓዓመ ቁልፊ ጉዕዞ ዕቤት ዝተዓጀበ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሽፋን ኢንተርኔት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዝነበረ 19 ሚሊየን ተጠቃሚ ኣብ 2022 ናብ 30 ሚሊየን ክብ ከምዝበለ ተዘሪቦም፡፡

4ጂ ኔትወርክ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሖም ከተማታት፤ 5ጂ ኔትወርክ ድማ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከምዝተዘርገሐ ነቲ ርክብ እናቀላጠፎ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.