Fana: At a Speed of Life!

መበል 14 ጉባኤ ጠበቓታት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 14 ጉባኤ ጠበቓታት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣዳራሽ ማንዴላ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ ጉናኤ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ተወከልቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ተረኺቦም።

ኢትዮጵያ ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ እናወገነቶ ትርከብ ስርዓት ፍትሒ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመሓየሸ ምምፅኡ ኣብቲ ጉባኤ ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ማሕበር ጠበቓታት ኢትዮጵያን ምክትል ፕሬዚዳንት ማሕበር ሕብረት ጠበቓታት ኣፍሪካን ቴወድሮስ ጌታቸው÷ ኢትዮጵያ እቲ ሕብረት ንኽምስረት ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተት ኣልዒሎም፡፡

ኢትዮጵያ ንናፅነትን ሓድነትን ኣፍሪካ ልዑል ቃልሲ ዝገበረት፤ ንናፅነት ኣብነት ዝኾነት ሃገርከ ምዝኾነት ኣዘኻኺሮም፡፡

ፕሬዚዳንት ማሕበር ሕብረት ጠበቓታት ኣፍሪካ ካሪ ኣብዱልበጎይ ብግደአን÷ ሕብረት እታ ኣህጉር ተራኺቡ ኣብቲ ዓውዲ ንኽዝቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዓብዪ ግደ ከምዝተፃወተ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ መበል 14 ጉባኤ ብምትእንጋዳ ብምምስጋን÷ ኣብቲ መድረኽ ስግግር ፍልጠት፣ ልውውጥ ልምዲ ከምኡ እውን ፓናል ዘተታት ከምዝካየዱ ኣብሪሆም፡፡

ብታሪኩ ወ/ሰንበትን ማርታ ጌታቸውን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.