Fana: At a Speed of Life!

መበል 13 ምዕራፍ ውድድር ድምፃዊያን ፋና ላምሮት ሓፈሻዊ መጠን ሽልማት ናብ 1 ሚሊየን ብር ክብ ብምባል ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፋና ቴሌቪዥን ዝዳሎ ውድድር ድምፃዊያን ፋና ላምሮት ሓፈሻዊ መጠን ሽልማት ናብ 1 ሚሊየን ብር ክብ ብምባል መበል 13 ምዕራፉ ጀሚሩ።

እቲ ውድድር ብሓደሽቲ ተወዳደርቲን ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎምን ብቐጥታ ፈነወ ኢዩ ተጀሚሩ።

12 ተወዳደርቲ ብውድድር ድምፂ ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣቤል ኣዳሙ÷ፋና ላምሮት ኣብ ዝሓለፉ ውድድራት ብዙሓት ተውህቦ ደምፂ ዘለዎም ምፍራዩ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ውድድር ተዓወት ንዝኾኑ፥ ቀዳማይ ንዝወፅአ  400 ሺሕ ብር፣ ካልኣይ 300 ሺሕ ብር፣ ሳልሳይ 200 ሺሕ ብር ከምኡውን ራብዓይ ደረጃ ንዝሓዘ ተወዳዳሪ 100 ሺሕ ብር ሽልማት ገንዘብ ክወሃብ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ንተወዳደር ሰናይ ዕድል ብምምናይ፥ንሙዚቀኛ ባንዲታት፣ ሰብ ሞያ ሙዚቃ፣ ጋዘጠኛታትን ካልኦት ኣብ ፋና ላምሮት ንዝሰርሑ ሰብ ሙያን አመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.