Fana: At a Speed of Life!

መበል 127 ዓመት ዓወት ዓድዋ ሎሚ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 127 ዓመት ዓወት ዓድዋ ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክኽበር ኢዩ።

በዓል ዓወት ዓድዋ፥ ኣብ ከተማ ዓድዋ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያን ንሃገር ዝተዋደቑ ጀጋኑን እቲ ዓወትን ብዝዝክሩ መርሃ ግብሪታት ተሓሲቡ ክውዕል ኢዩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፥ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ኢትዮጵያ እንተንዘውር ኣብ ኲናት ዓድዋ ዘይተሳተፉ ቀዳሞት ዝበቖሉሉ መሬት ኣይርከብን” ኢሎም፡፡

ዓድዋ ብፀገም ተኸቢብካ ምትራፍ ከምዘየምህር ብምሕባር፤ ከም ዕድል ብምቑፃር ፀገም ምስጋር ከምዘምህር ኣብ መልእኽቶም ኣብሪሆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ ፥ ካብ ትማሊ ብዝበለፀ ትኹረትና ኣብ ፅባሕ እንተገይርና፣ ኩሉ ነገር ትሕቲ ኢትዮጵያ እንተገይርና፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና እንተፅኒዕና ከም ግመ ዝኸበበና ኩሉ ፈተና ከም ትኪ በኒኑ ክጠፍእ ኢዩ” ኢሎም።

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.