Fana: At a Speed of Life!

መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቱ ካብ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2015 ዓም (ኤፍ ቢሲ)መበል 127 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣመልኪቱ ካብ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ።

እቲ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ከምዝተኸበረ ብምግላፅ፥ እዚ ንክዕወት ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኩሎም መንግስቲ አመስጊኑ።
ኣከባብራ በዓል ዓወት ዓድዋ  ብዝምልከት ታሪክ ብዝዝክር፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዘፅንዕ፥ ህንፀት ህገት ብዘቀላጥፍ መገዲ መንግስቲ ብመሰረት ዝሃቦ ኣንፈት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር በዓል ዋና ብምዃን ከምዝተኸበረ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ እቲ በዓል ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ዳግማዊ ምኒልክ ኣደባባይ፣ ዓድዋ ድልድይን መስቀል ኣደባባይን ከምዝተኸበረ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
እቲ በዓል ብብርኪ ሃገር ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተተኸበረ እውን ኣብ መላእ ሃገር ብዝደመቐ ኩነታት ከምዝተኸበረ ተገሊፁ።
በዚ ድማ ኢትዮጵያ በናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ትሰጋገር ከምዘላ ዘርእይ ኢዩ ኢሉ።
ይኹን እንበር  ኣብ ምኒልክ ኣደባባይ ዝግበር በዓል ንምርባሽ ዝደለዩ ኣካላት ኩከት ንምቕስቓስ ደሊዮም ከምዝነበሩ ብምግላፅ፥ ኣካላት ፀፅታ ብዝገበርዎ ርብርብ ዝኸፍአ ጉድኣት እንተየጋጠመ እቲ ሽርሒ ከምዝፈሸለ ሓቢሩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.