Fana: At a Speed of Life!

መበል 125 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ እዚ ዓመት ብሄራዊ ሓድነት ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር – ኢዩ ዶ/ር ሂሩት ካሳው

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መበል 125 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ እዚ ዓመት ብሄራዊ ሓድነት ብዘጠናኽር መልክዑ ንምኽባር ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፥ “በዓል ዓወት ዓድዋ መግለፂ ብሄራዊ ሓድነት ኢዩ”፡፡

እቲ በዓል፥ ኢትዮጵያ ዝጀረመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ብዝሕግዝ መልክዑ ከምዝኽበር እውን ኣብሪሀን፡፡

እተን ሚኒስትር ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝበለኦ፥ መበል 125 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ “ህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ቃል ክኽበር ኢዩ፡፡

ኣስተዋፅኦ ኩሉ ሕብረተሰብ ብዘጎልብት መልክዑ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝኽበር ኢየን ዝገለፃ፡፡

ኣብቲ ምድላው ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ስነ- ጥበብን ዘተታትን ከምዝካየዱ እውን ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.