Fana: At a Speed of Life!

መበል 11 ፓናል ዘተ “ስለ ኢትዮጵያ” ኣብ ከተማ ጋምቤላ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 11 ፓናል ዘተ “ስለ ኢትዮጵያ” ኣብ ከተማ ጋምቤላ ተኻይዱ፡፡

እቲ ፓናል ዘተ “ስዓራይ ህዝቢ ስለ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘድሃበ እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ዘተ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፥ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣሕመድ ዘካሪያን መዛተይ ፅሑፍ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ምክትል ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ዘሃራ ኡመድ፣ ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፓርትታት፣ ኣትሌታት፣ ህቡባት ሰባት፣ ሰብ-ሞያ ፈጠራ፣ ከምኡ እውን ካልኦት ተሳተፍቲ ኣጋይሽን ተሳቲፎም።

ካብቲ መድረኽ ቅድም ኣቢሉ “ስለ ኢትዮጵያ” ዝተሰመየ ዓውደርእይ ፎቶ ግራፍ ተኸፊቱ። ነቲ ዓውደርእይ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ፣ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድን ተፀዋዒ መንግስቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌን መሪቖም ከፊቶምዎ።

ኣብቲ ዓውደርእይ ካብ 1960ታት ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ ፍፃመታት ዘጐብንዩ ፎቶ ግራፋት ንትዕዝብቲ ቀሪቦም።

ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣብ ወፍሪ ህልውና ዘርኣዩዎ ተጋድሎን ንምድሓን ሃገር ዝተኸፈሉ መስዋእትታትን ዘመላኽቱ ፎቶ ግራፋት ንትዕዝብቲ ቀሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.