Fana: At a Speed of Life!

መበል 11 ሓበራዊ መድረኽ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ቴክኒክ ኢትዮ-ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 11 ሓበራዊ መድረኽ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ቴክኒክ ኢትዮ-ሩሲያ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ ዘሎ እንትኸውን፥ ወተሃደራዊ ቴክኖሎጂ፣ ክእለትን ፍልጠትን ኢትዮጵያን ሩሲያን ንምዕባይ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ዓውዲ ፋይናንስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ማርታ ሉዊጂ፥ ከልቲአን ሃገራት ካብ 1898 ጀሚሩ ብዓውዲ ዲፕሎማሲ፣ ወተሃደራዊ፣ ኢኮኖሚ ፣ ፖለቲካን ማሕበራዊን ታሪካዊን ጠንካራን ርክብ እንትገብራ ምፅነሐን ኣዘኻኺረን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒሰትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን በመርኻብ ካብ ዝዛተዩ ጀሚሩ ርከብ ክልቲአን ሃገራት ይጥንክር ከምዘሎ ተዛሪበን።

ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ሩሲያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ከምዝኾነ ቅዋም ምሓዛ ከምአኡውን ኣብ መበል ሻድሻይ መርጫ፣ ኣብ ግድብ ህዳሰን ካልኦት ሃገራዊ ጉዳያትን ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ደው ብምባል ሕውነት ብምርኣያ እተን ሚኒስትር ዴኤታ አመስጊነን ክበል ካብ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.