Fana: At a Speed of Life!

መበል 1 ሽሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሽሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።

እቲ ብዓል ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።

ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል እንተኽብር ብዝተለመደ ብባህሊ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መበል 1445 ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ፥ ወርሒ ረመዳን መላእ ማሕበረሰብ ሙስሊም ብናፍቖትን ህንጣወን ዝፅበዮ ወርሒ ኢዩ ኢሎም።

ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ፆምን ኢባዳን ምስ ፈጣሪ ዝቀራረበሉ፣ ዚክር ዝበዝሓሉ፣ ፅቡቕ ስራሕ ዝጎልሃሉ፣ ወርሒ ምሕረትን ምብራኽን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.