Fana: At a Speed of Life!

መበል ሻምናይ ላዕለዋይ መድረኽ ዘተ ሕብረት ኣፍሪካን ውሕመን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻምናይ ላዕለዋይ መድረኽ ዘተ ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ)ን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሃማትን ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እተን ትካላት ተረኺቦም።

ኣፈፃፅማ ማዕቐፋት ምትሕብበር ሕብረት ኣፍሪካን ውሕመን ኣብቲ መድረኽ ይግምገም ኣሎ።

ክልቲኦም ትካላት ሰላምን ድሕንነትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዎም ምትሕብባር ዝጠመተ ዘተ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.