Fana: At a Speed of Life!

መበል ራብዓይ ጉባኤ ሸቶ ዘላቒ ልምዓት መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል ራብዓይ ጉባኤ ሸቶ ዘላቒ ልምዓት መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ወይዘሮ ጥሩማር ኣባተ፥ እቲ ጉባኤ መናእሰይ ኣብ ኣጀንዳ 2030ን ኣጀንዳ 2063ን ክህልዎም ዝኽእለ ግደ ትኹረት ዝገበረ ኢዩ ኢለን።

እቶም ማናእሰይ ዘለዎም ዓቕሚ ተጠቒሞም ሓደሽቲ መፍትሒታትን ኣማራፅታትን ንምምዕባል ቁልፊ ግደ ከምዘለዎም እወን ተዛሪበን።

እዚ ድማ ዘጋጥሙ ፈተናታት ንምብዳህ ዝሕግዝ ከምዘኾነ ሓቢረን።

ነዚ ድማ ግቡዕ ማዕቐፋት ፖሊሲ ብምቕራፅ እቲ መድረኽ ምምችቻው ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂበን።

እቲ መበል ራብዓይ ጉባኤ ኣብ ሸቶ ዘላቒ ልምዓት መናእሰይ ዘተኩር እንትኸውን፥ ዓለማዊን ኣህጉራዊን ሸቶታት ንምዕዋት ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ምክታቱ ብዝምልከት ግልፂ ዘተ ከምዝግበር ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.