Fana: At a Speed of Life!

መቐለ ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ 31 ከተማታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐለ ሓዊሱ ክሳብ ሐዚ 31 ከተማታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ከምዝጀመረ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ፦

  • ትማሊ መቐለ፣ ውቕሮ፣ ኲሓን ኣብዓላን እቲ ኣገልግሎት ረኺበን።
  • እቲ ኣገልግሎት መሊስካ ንምጅማር ትሽዓተ ጉጅለታት ቴክኒክ ብኣርባዕተ ኣንፈታት ተዋፊሮም
  • ልዕሊ 981 ኪሎ ሜትሮ ናይ ፋይበር መራኸቢ መስመር ፅገና ተፈፂሙ
  • 90 ናይ ሞባይል ሳይታት እውን ዳግም ብምርኻብ ፃውዒት ቴሌፎን ዕዉት ብዝኾነ ኩነታት ተፈፂሙ
  • 61 ናይ ባንኪ ቅርንጫፋት ዳግም ናብ ኣገልግሎት ዝምለስሉ ኩነታት ተፈጢሩ
  • ናይቲ ቴሌኮም ኣገልግሎት ብሙሉእ ዓቕሙ ንምቕፃል ናይ ፅገና ስራሕ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ
  • ናይ ኔትዎርክ ምጭንናቕ ክህሊ ስለዝኽእል ዓማዊል ነቲ ኩነታት ክግንዘቡ ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ፍሬህይወት ታምሩ ሓቲተን።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.