Fana: At a Speed of Life!

መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዳግም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ዳግም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዝረኸባ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብዘጋጠመ ኲናት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት እቲ ዲስትሪቡሽን ዝበፅሐ ጉድኣት ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምትሕብባር መሊሱ ብምፅጋን እቶም ከባቢታት ዳግም ኣገልግሎት ንክረኽቡ ፃዕሪ ይገበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ኣብተን ክልላት ዝርከቡ ብዙሓት ከባቢታት ተረባሕቲ ንክኾኑ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ካብ ሰብስቴሽን መቐለን መኾንን ኣገልግሎት ዝረኽባ መቐለ፣ መኾኒ፣ ኲሓ፣ ሳምረ፣ ሃገረ ሰላም፣ ጨርጨርን ጣቢያ ሓዱሽ ቅኚን ዳግም ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዝረኸባ ተሓቢሩ።

ካብ ሰብስቴሽን መቐለን ዓዲግራትን ኣገልግሎት ዝረኽባ ብዘይካ ዛላምበሳ፥ እተን ዝተረፋ ውቕሮ፣ ሓውዜን፣ ኣፅቢ፣ ፍረወይኒ፣ ዓዲግራት፣ ብዘት፣ እንትጮን ከባቢኡን እውን እቲ ኣገልግሎት ረኺበን ኣለዋ።

ካብ ሰብስቴሽን ኣላማጣ ኣገልግሎት ዝረኽባ ከተማታት ኣላማጣን ማይጨው እውን ተረባሕቲ ከምዝኾና ተገሊፁ።

ካብ ሰብስቴሽን ሽረ ኣገልግሎት ዝረኽባ ከተማታት ሽረ፣ ሰለኽለኻን እንዳባጉናን ዳግም ተረባሕቲ እንትኾና፥ ካብ ሽረ-ኣኽሱም-ዓድዋ ዘሎ መስመር ፅገና ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

እዚ እንትዛዘም ኣገልግሎት ክረኽባ ኢየን ድማ ተባሂሉ።

ካብ ሰብስቴሽን ሽረ ኣገልግሎት ዝረኽባ ከተማታት ሽራሮ፣ ማይሓንሰን ዓዲዳዕሮን ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ኣሌክትሪክ ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ ኣብ ከይዲ ፅገና ከምዘሎ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብ ሰብስቴሽን ዓድዋ ኣገልግሎት ዝረኽባ ከተማታት ዓድዋ፣ ራማ፣ ነበለት፣ ዕዳጋ ዓርቢ፣ ዕዳጋ ሓሙስ ዳግም ኣገልግሎት ንክረኽባ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.