Fana: At a Speed of Life!

መቄዶንያ ንደቂ ሰባት ብዘይ ኣፈላላይ ዝርገፉሉ ማእኸል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል መግብሐቢ ኣረጋውያንን ሕሙማት ኣእምሮን የደቂ ሰባት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ቀለም ዝድገፉሉ ማእኸል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ምስቲ ማእኸል ብምትሕብባር መራሕቲ ትካላት ሃይማኖትን ኣቦታትን ኣብ ዝተረኸቡ መርሃ ግብሪ ፀሎት ኣካይዱ።

”ሰብ ንምርዳእ ሰብ ምዃን እኹል ኢዩ” ብዝብል ኣምር ዝተጣየሸ እቲ ማእኸል፤ ኣብ እዋን እርጋን ሓብሓቢ ዝሰኣኑ፣ ብልዑል ሕማም ዝሳቐዩን ሓጋዚ ዘይብሎምን ወገናት ንምክንኻን ዕላማ ብምግባር ዝተጣየሸ ኢዩ።

ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ሰላም ንደቂ ሰባት ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኩሉ ካብ ፅልኢ፣ ቂም፣ ኲናትን ሕነ ምፍዳይን ክርሕቕ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ዓሲሉ ዝድለ ሓድነትን ዕቤት ንኽመፅእ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ዘርኢን ሃይማኖትን እንተይዓገተና ብሓድነት ንሰላም ጠጠው ክንብል ኣለና ኢሎም።

መስራቲ እቲ ማእኸል ቢንያም በለጠ ብግደኦም፥ እቲ ማእኸል ኣብ ኣዲስ ኣበባና ኣብ ክልል ከተማታትን ብዝርከባ 44 ጨንፈራቱ ልዕሊ 8 ሺሕ ኣረጋዊያንን ሕሙማት ኣእምሮን እናሓገዘ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ቁፅሪ ጨንፈራቱ ናብ 240 ንምብፃሕ እናሰርሐ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.