መሸጣ ስልኪታት ኣይፎን ከምዝነከየ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍርያት ኩባንያ ኣፕል ዝኾኑ ስልኪታት ኣይፎን መሸጣኦም ካብ ኣውሮፓ ወፃእ ኣብ ኩለን ዕዳጋታት ሃገራት ዓለም ከምዝነከየ ተገሊፁ።
እቲ ኩባንያ ከምዝሓሮ፤ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ካብ ዝኣቱ ንደሓር ኣብ ዘለዉ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጠለብ ስማርት ስልኪታት ካብ 10 ሚኢታዊ ንላዕሊ ነክዩ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ሓፈሻዊ ኣታዊ እቲ ኩባንያ 4 ሚኢታዊ ምንካይ ብምርኣይ ናብ 90 ነጥቢ 8 ቢሊየን ዶላር ትሕት ከምዝበለ ኣፍሊጡ።
ዝተረኸበ ኣታዊ ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ መንፅር ትሑት ይኹን እምበር ዝኸፍአ ከምዘይኮነ ዝፀርሐ እቲ ኩባንያ፤ እቲ ፀገም ምስ ክስተት ለበዳ ኮቪድ ተተሓሒዙ ብምኽንያት ምዝባዕ ቀረባት ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ዝግበሩ ፍርያታትን ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ (AI) ዝግበር ኢንቨስትመንትን ስዒቡ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መሸጣ ከምዝዓቢ ዘለዎ እምነት ከምዘሎ ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com