መሸጢ ዋጋ ፀባ ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ምውሳኹ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መሸጢ ዋጋ ፀባ ተራኢዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ምውሳኹ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮሚያን ገሊፆም።
ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ቅሬትኦም ዘቕረቡ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፥ ምስ ምውሳኅዋጋ ፀባ ተተሓሒዙ ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፅሬት ዘለዎ ፀባ ምርካብ ካብ ዝኾነ ይኹ እዋን ፈታኒ ከምዝኾነም ተዛሪቦም፡፡
ብተመሳሳሊኣብ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ወሰኽ ዋጋ ፀባ ከምዝተርኣየን ጉድለት ፅሬት ከምዘሎን ነበርቲ ገሊፆም።
ንምፍጣር ወሰኽ ዋጋን ጉድለት ፅሬትን መኖ እንስሳት ብዝድለ ብርኪ ኣብ ዕዳጋ ዘይምህላው ምኽንያ ከምዝኾነ ምክልት ሓላፊት ቢሮ ንግዲ ክልል ኦሮሚያ ወይዘሮ ራሄል ነገሮ ተዛሪበን፡፡
ፀገም ፍርያት ፀባ ንኽፍታሕን ዋግኡ ንምርግጋእን መኖ ዘፍርዩ ፋብሪካታት ምስፍሕፋሕን ትኹረት ተገይሩሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።
ኣብ ሚኒስቴር ሕርሻ ዳይሬክተር ሃፍቲ ልምዓት ፀባ ኣይተ ኣስመላሽ በርሄ ብግደኦም፥ ምውሳኽ ዋጋ ፀባ ግዚያዊ ከምዝኾነ ብምፅራሕ፤ ፅሬቱን ደረጅኡን ብዝሓለወ መልክዑ ፀባ ካብ ኣፍረይቲ ናብ ተጠቀምቲ ንኅበፅሕ ዝተሰናደአ ኣዋጅ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
ብሲሳይ ጌትነት
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።