Fana: At a Speed of Life!

መስቀል ኩሎም ደቂ ሰባት ተምሳሌት ፍቕሪ ብምዃኑ ኩሉ ንሰላም፣ ሓድነትን ፍቕሪን ክዳሎ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መስቀል ኩሎም ደቂ ሰባት ተምሳሌት ፍቕሪ ብምዃኑ ኩሉ ንሰላም፣ ሓድነትን ፍቕሪን ክዳሎ ይግባእ ክብሉ ላዕለዋይ ፀሓፊ ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ቤተ ክርስቲያን ካቶሊካዊት ኢትዮጵያ ኣባ ተስፋየ ወልደማርያም ገሊፆም።

በዓል መስቀል ካህናት እታ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣቦታትን ተኸተልቲ እቲ እምነትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሽግ ብምውላዕ፣ ብፀሎት፣ ቅዳሰን ካልኦት መንፈሳዊ ስነ-ስርዓታትን ተኸቢሩ።

ኣብቲ ክብረ በዓል መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ዋና ፀሓፊ ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ኣባ ተስፋዬ ወልደማርያም፥ “መስቀል ኩሎም ደቂ ሰባት ተምሳሌት ፍቕሪ ብምዃኑ ኩሉ ንሰላም፣ ሓድነትን ፍቕሪን ክዳሎ ይግባእ” ኢሎም።

ሓድነት፣ ሕብረትን ሰላምን እንተተረጋጊፁ ንዓለም ስግኣት ዝኾኑ ነገራት ኩሎም ባይታ ከምዘይህልዎም እውን ኣገንዚቦም።

ምእመናን በዓል መስቀል እነተኽብሩ ንፅጉማት ብምሕጋዝ፣ ብፍቕሪ፣ ብሰላምን ብምትሕስሳብን ክኸውን ከምዝግበኦ ምትሕስሳቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.