Fana: At a Speed of Life!

መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ኣዋሽ ዝተወሰነ ጉድኣት ኣጋጢሙዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ኣብ ከባቢ ኣዋሽ ዝተወሰነ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ተገለፀ፡፡

15 ሜትር ንውሓት ዘለዎ እቲ ባቡር ሃዲድ ናብ መሬት ስለዝሰመጠን ዝተወሰኑ መእሰሪታት እቲ ሃዲድ ስለዝተቖራረፁን ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ታከለ ኡማ (ኢ/ር)÷ መበገሲ እቲ ጉድኣት እናተፃረየ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዘጋጠመ ዝተወሰነ ጉድኣት ብቕልጡፍ ብምስትኽኻል እቲ መስመር ናብ ሙሉ ኣገልግሎት ንምምላስ ርብርብ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.