Fana: At a Speed of Life!

“መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” እንትንብል ኩሉ ነገር ብመንፅር ልምዓት ክኸውን ኣለዎ-ዶክተር ኣትንኩት

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣትንኩት መዝገቡ፥ መንእሰይ ትግራይ ከምቲ ኣብ ዕስለ ኣንበጣ ቆልዓ ምስ ሽማግለ ሓድነቱ ኣሐይሉ ዘርኣዮ መኸተ ሕዚ እውን ኣብ ወፍሪ ዕቀባ ማይን ሓመድን ኩሉ ሕብረተሰብ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከበርክት ፃውዒት ኣቕሪቦም።

“መስመርና ኣፅኒዕና ንመኸተ” እንትንብል ኩሉ ነገር ብመንፅር ልምዓት ክኸውን ከም ዘለዎ እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

“ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንልምዓትን መኸተን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መናእሰይ፣ ደቂ-ኣንስትዮን ሓረስቶትን ብዘሳተፈ መልክዑ ኣስታት 1 ነጥቢ 2 ሚልየን ህዝቢ ክወፍር ዘኽእል ምድላዋት ተወጊኑ ከምዘሎ አውን ሓቢሮም።

ኣብቲ ወፍሪ ዕቀባ ማይን ሓመድን ዝወፍር ሕብረተሰብ ኣብ 67 ሽሕን 334 ጉጅለታት ብምውዳብ፥ ኣብ 1 ሺሕን 488 መፋስሳት ዘሎ 70 ሽሕ ሄክታር መሬት ዕቀባ ከምዘካይድ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ወፍሪ ቅድሚ ሕዚ ይስራሕ ካብ ዝነበረ ዕቀባ ማይን ሓመድን ብዝሐሸ መጠንን ብራኸን ከምኡ እውን ብዝሐሸ ንጥፈት ንምዕዋት ዓሊሙ “ከባቢ 1 ሽሕን100 ውሕጅ ኣልቦ ስራሕቲ መፋስስ” ዝብል ፍልስፍና ከም ዝስራሕ ተገሊፁ።

ልዕሊ 870 ሽሕ መሳሪሕታት ተዳልዩ ኣብ ሓፂር ጊዜ ለውጢ ዘምፅእ ኣሰራርሓ ብምጥቃም ዞባን ወረዳታትን ሓዊሱ ልዕሊ 189 ኪኢላታት፣ 5 ሽሕን 247 ካድረታት ሕርሻን ልዕሊ 6 ሽሕን 600 ሓንፀፅቲ ሰልጢኖም ኣብ ሓፂር ጊዜ ናብ ስራሕ ንምእታው ተዳልዩ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ንብርክት ዝበለ ዓመታት ኣብ ምዕቃብን ምክንኻንን ሃፍቲ ተፈጥሮ እናሰርሐ ብምፅንሑ ውፅኢት ልምዓት መስኖ፣ መፍረያይነት ዝራእቲ፣ መፍራይነት ሃፍቲ እንስሳን ካልኦትን ለውጥታት እናምፀአ ምፅንሑ ዶክተር ኣትንኩት ኣዘኻኺሮም።

ክሳብ ሕዚ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሽፋን ኣግራብ ክልል ትግራይ ኣብ 80 ታት ካብ ዝነበሮ 4 ሚኢታዊ ናብ 16 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ክብ ክብል ከምዝኸኣለ ድማ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.