Fana: At a Speed of Life!

መስመራት ኣውቶብስ ዝጠሓሱ ልዕሊ 15 ሺሕ ገናሕቲ ከምዝተቐፅዑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መስመራት ኣውቶብስ ዝጠሓሱ ልዕሊ 15 ሺሕ ገናሕቲ ከምዝተቐፅዑ በዓል መዚ ማነጅመንት ትራፊክ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ኣያሌው ኣቲሳ፥ እቶም መገዲታት ንኣውቶብስ ጥራሕ ተባሂሎም ዝተፈለዩ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ኣብ እዋን መእተዊን መውፅእን ሰዓት ስራሕ፥ ካብ ሰዓት 12 ንጎሆ ክሳብ ሰዓት 4 ምሸት ከምኡውን ካብ ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 1 ምሸት ጥቡቕ ቁፅፅር ከምዝግበረሎም ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ነቲ መስመር ንክጥቀሙ ዘይተፈቐደሎም 15 ሺሕን 506 ገናሕቲ መኪና ደንቢ ብምትሕልላፎም ብገንዘብ ከምዝተቐፅዑ ተዛሪቦም።

ብመሳፍንት እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.