Fana: At a Speed of Life!

መሳርሒ እኩይ ተግባር ሽርሐኛታት ንዘይምዃን ምጥንቃቕ ይግባእ – መንግስቲ ክልል ደቡብ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መሳርሒ እኩይ ተግባር ሽርሐኛታት ንዘይምዃን ምጥንቃቕ ከምዝግባእ መንግስቲ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ክልል ደቡብ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣድሂቡ መግለፂ ሂቡ።

ህዝቢን መንግስቲን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ብውሽጢን ደገን ዝገጠማ ፈተና ንምምካት ተግባራዊ መልሲ ንመሃብ ርብርብ እናገበሬ ከምዝርከቡ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ብሓድነት ደው እንተኢልናን ተደሚርና እቲ ፈተና ስዒርና፣ እቲ ፀገም ናብ ዕድል፣ እቲ ዕድል ድማ ናብ ዓቢዪ ዓወት ለዊጥና ሃገርና ናብ ብራኸ ሰላምን ምዕባለን ክነብፃሓ ኢና ኢሉ እቲ መግለፂ፡፡

ህዝቢ ክልል ደቡብ ደጀን ሰራዊት ምክልኻል ንምዃን ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ እቲ ክልል ናብ ሰራዊት ምክልኻል እናተፀምበሩ ዝኣተዉዎ ቃል ብተግባር እናርአዩ ከምዝርከቡ እውን ገሊፁ።

ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ብገንዘብን ብዓይነትን ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ሰብ ሃፍቲ እቲ ክልል ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ሰንጋታት፣ ኣባጊዕ፣ ኣጣልን ገንዘብን፤ ሰራሕተኛታት እውን ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም እናሃቡ ይርከቡ ኢሉ።

ይኹን እምበር ዝተወሰኑ ኣካላት ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ሃገሮም ክሒዶም ኣብ ጎኒ ሓይሊታት ጥፍኣት ከሰልፎም ዝኽእል ተግባር ዝሽርቡ ኢሉ እወን ዝሳተፉ ውሑዳት ዝበሃሉ ነኸስቲ ቱብ ከምዘለዉ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ተሓባበርቲ ዝኾኑ እዋናዊ ኩነታት ፅቡቕ ኣጋጣሚ ዝፈጠረሎም መሲሉዎም ዘይግበኦም ሃፍቲ ንምኽዕባትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፅዕንቶ ናብራ ንኽፍጠር ንምግባር ዝጓየዩ ውሑዳት ስሱዓት ነጋዶ ይረኣዩ ኣለዉ ኢሉ፡፡

እዞም ኣካላት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዕላዊ ኲናት ካብ ዝኸፈተ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝፍለዩ ከምዘይኮኑ ገሊፁ፡፡

መሳርሒ እኩይ ተግባር ሽርሐኛታት ንዘይምዃን ክጥንቀቑ ከምዝግባእ መንግስቲ ክልል ደቡብ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.