መሰረታዊ ዝኾኑ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ – ጫልቱ ሳኒ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ከተማ ወልቂጤ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ከምዝገለፀኦ፥ ከም ሃገር ንዙሓት ፈተናታት እናተሳገርና ዘዕግብ ውፅኢት ንምምዝጋብ ዘኽእል ዓቕሚ ተፈጢሩ ኢዩ።
ብፓርቲ ብልፅግና ኣብ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ዝተቐመጡ ውሳኔነታትን ኣንፈታትን ካብ ኣራርሓ ሓሊፉ ምስ መላእ ህዝቢ ሓበራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ንተግባራዊነቱ ሓበራዊ ፃዕሪ ምግባር ይግባእ ኢለን።
እቲ ፓርቲ ምጥንኻርን ፅሬት ብዘለዎ ሓሳብ ዝምረሐሉን ባይታ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፤ መሰረታዊ ዝኾኑ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ እናተሰርሐ ይርከብ ክብላ ገሊፀን።
ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ተፀባይነት ዝፅየፍ ወለዶ ምፍራይ ከምዝግባእን ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዝተኽኣለን ተዛሪበን፡፡
ከምኡውን ዘለው ፀጋታት ትኩረት ብምሃብ ናብ ስራሕቲታት ልምዓት ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡
እዚ ስዒቡ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ስርናይ ካብ ምትራፍ ብዝሓለፈ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ዝከኣለሉ ዓቕሚ ከምዝተሃነፀ ኣብሪሀን፡፡
ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት እውን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ድሕሪ ምግላፅ ፤ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ክብሪ ሃገር ዝሕሉ ስራሕ ተግባዊ ክግበር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን፡፡