Fana: At a Speed of Life!

መሰረታዊ ዓቕሚ ምርግጋፅ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ባዕልና ኢና-ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈርን ማሕበራትን ትግራይ ” ግደ ፋይናንስ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ትግራይ”ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ዋዕላ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፥ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ግደ መንግስታውያን ዘይመንግስታውን ትካላት ሓጋዛይ ኢሎም።

ይኹን እንበር ኣብ ህዝብና ዘሎ መሰረታዊ ዓቕሚ ብሙሉእነትን ብዝተዋደደ መገዲ ብምጥቃም ኢና ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብሙሉእነትን ብቐፃልነትን ነረጋግፅ ንኽእል ከብሉ ተዛሪቦም።

ሕውየትና ኣብ ውሽጥና እዩ ዝምሰረት ብምባል፥ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ፋይናንስ ብምትሕብባር ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዘላቕነት ንምውሓስ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈርን ማሕበራትን ትግራይ መምህር ኣሰፋ ገብረስላሴ ብወገኖም፥ ኣብ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ዘጋጠመ ኲናት ስርዓት ንግዲ ትግራይ ከምዝተዛብዐ ሓቢሮም።

ብምዃኑ ድማ ትግራይ ካብ ስራሕቲ ንግዲ ትረኽቦም ዝነበረት ኣታዊ ስኢና፣ ብዘይሕጋዊ ንግዲ ናብ ትግራይ ዝኣትዉን ዝወፁን ሸቐጣት ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ ኮይኑ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።

ስለዚ ሕዚ ጉዳይ ፋይናንስ ኣብ ምንቕቓሕ ንግድን ዳግመ ሕውየትን ዘለዎ ትርጉም ብምግንዛብ ስርዓት ንግዲ ናብ ንቡር ንምምላስን ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝስራሕ ምብረሆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.