Fana: At a Speed of Life!

መሰረታዊ ሸቐጣት ምግቢ ብዘይዝኾነ ይኹን ፍቓድ ሸርፊ ወፃኢ ብቀጥታ ንክኣትዉ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ገንዘብ መሰረታዊ ሸቐጣት ምግቢ ዝኾኑ፤ዘይቲ፣ ስርናይ፣ ስኳርን ናይ ህፃውንቲ ፀባን ሩዝን ብዘይዝኾነ ይኹን ፍቓድ ሸርፊ ወፃኢ ብወገን ኮሚሽን ጉምሩክ (ብፍራንኮ ቫሉታ) ብቀጥታ ንክኣትዉ ተወሲኑ።

መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን፤ እዚ እናተራኣየ ዘሎ ናህሪ ናብራ ንምርግጋዕ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ፍቓድ ወፃኢ ሃገር ዘለዎም ኢትዮጵያዊያን ግደኦም ንክዋፅኡ ፍቓድ ፍራንኮ ቫሉታ ብቕልጡፍ ንክፍቀደሎም ሕቶ እናቕረበ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ቀረፅን ታክስን ብዝምልከት ብወገን ሚኒስቴር ገንዘብ ብዕለት 22/03/2013 ዓ.ም ብቁፅሪ ማኣ.30/7/51 ብመሰረት ዝተፅሓፈ ደብዳበ ንክፍፀም፤ ኣፈፃፅምኡ ብዝምልከት ድማ ጉዳዩ ብወገን ዝምልከቶም ኣካላት ፅኑዕ ቁፅፅርን ክትትልን ንክግበረሉ ከምዝተወሰነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.