Fana: At a Speed of Life!

መሰረተ ልምዓታ እታ ከተማ ብግቡእ ንምሕላው ዘኽእል መመሓየሺ ደንቢ ምኽባር ሕጊ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ምኽባር ደምቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ካብ ጥፍኣት ንምሕለው ዘኽእል መመሓየሺ ደንቢ ምኽባር ሕጊ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ፡፡

በዓል መዚ ምኽባር ደምቢን ኤጀንሲ ምምሕዳር ፅሬት ኣዲስ ኣበባ እቲ መመሓየሺ ኣመልኪቶም ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ እቲ መመሓየሺ ዝለምዑ ፓርክታት፣ ኮሪደራት፣ መገዲታትን ተጎራበትቲ ልምዓታትን ዝወሃቡ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓ ንምሕላው ከምዝሕግዝ ተገሊፁ፡፡

ዋና መካየዲ ስራሕ በዓል ስልጣን ምኽባር ደምቢ ኣዲስ ኣበባ ሻለቃ ዘሪሁን ተፈራ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ምምሕያሻት ሕጊ ምግባሩ ዝተሃነፁ መሰረተ ልምዓታት ብግቡእ ንምሕላውን ካብ ጥፍኣት ንምድሓንን ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ሰብ ዘፈልፈሎ ደረቅ ረሳሕ ኣብ ገዝኡ ብግቡ ዘየዘመነን ብዓይነት ዘይምፍላይ፣ ጥዕናን ምስሊ ከባቢን ብዝጎድእ መልክዑ ምኽዛን 2 ሺሕ ብር ከምዘቕፅዕ ገሊፆም፡፡

እዚ ተግባር እናፈፀሙ ዝተረኸቡ ትካላት ድማ ክሳብ 50 ሺሕ ብር ከምዝቕፅዑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ደረቕ ረሳሕ ካብ ቀፅሪ ገዛ ወፃእ ኣውፂእኻ ኣብ ዘይተፈቐደ ቦታ ዝደርበየ ወይ እውን ዘቐመጠ ብብርኪ ውልቀሰብ 2 ሺሕ ብር ዝቕፃዕ እንትኸውን፤ ካብ ኢንዱስትሪ ዝወፅአ ረሳሕ እንድሕር ኮይኑ 50 ሺሕ ብር ዘቕፅዕ ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.