Fana: At a Speed of Life!

መሰል ዘላቒ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘይሕሉ ዋላ ሓንቲ ቓል እንድሕር ተሓዊሳታ ስምምዕነት ኣይንፍርምን – ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝግበር ስምምዕነት መሰል ዘላቒ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘይትሕሉ ዋላ ሓንቲ ቓል እንድሕር ተሓዊሳታ ኢትዮጵያ ከምዘይትፍርም ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ሎሚ መዓልቲ ኣብዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ዝግበር ድርድር ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሕሉ መልክዑ እናተኻየደ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ፥ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ብተዓዛቢነት ኣብዝተረኸቡሉ ኣብ ኣርባዕተ ዶክመንታት ምስ ሱዳንን ግብፂን ድርድር ኣካይዳ ዕዉት ስራሕ ከምዝሰርሐት ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ ኣብሪሆም።

ብቐንዱ ኣብ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ብዝምልከት ዘተ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ብፍላይ ድርቒ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ረብሓ ሰለስቲአን ሃገራት ብዝሕሉ መልክዑ ድርድር ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

“ኣብ ቲክኒካዊ፣ ሕጋዊ፣ ኣፈታትሓ ጎንፂን ተሓጋጊዝካ ምስራሕን ዝብሉ ዛዕባታት ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሓለወ መልክዑ ኣብ ስምምዕነት እንተተበፂሑ፥ ኣብ ሓፂር ግዘ ክንፈራረም ንኽእል ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

መሰል ዘላቒ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘይሕሉ ዋላ ሓንቲ ቓል እንድሕር ተሓዊሳታ ግን ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕነት ከምዘይትፍርም ኣረጋጊፆም።

ኣማኸርቲ ሕጊ ኢትዮጵያ ዝኻዕበተ ልምዲ ዘለዎም ኢዮም ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ረብሓ ኢትዮጵያ ተመሓላሊፉ ዝተውሃበ ኣምሲሎም ብማሕበራዊ ሚዲያታት ዝንዝሑ ወረታት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.